ብኸመይ እጅምር

ብኸመይ እጅምር

ብዙሓት ሰባት ኣብ  መንፈሳዊ ሂወት ክጅምሩን ክስጉሙን እኳ እንተ ደለዩ ማዕረ እቲ ኣብቲ ቃል ዘለዎም እምነት ብግብሪ ምቅጻል ግን ይኸብዶም ፡ ካብቲ ብዙሕ ምኽንያታት ግን መንፈሳዊ ካሪክለም ወይ ውጥን ዘይምህላዎም እዩ ። እዚ መንፈሳዊ ጽሑፍ ግን ሰንሰለታዊ ኮይኑ ቅልል ብዝበለ መልክዕ ዝቀረበ ኮይኑ ንዕብየት መንፈሳዊ ሂወት ኣዚዩ ሓጋዚ እዩ ፡ ውጽኢቱ ባዕልኻ ክትፍትኖን ክትሪኦን መንፈስ ቅዱስ ይሓግዝ ።

  • እዚ ሰንሰለታዊ ዝኾነ መንፈሳዊ ጽሑፍ ዝተፈላለየ መድብ ዝሓዘለ ኮይኑ እቲ ቀዳማይ መድብ 12 ክፋል ይሕዝ ፥ ከምቲ ኣብ ኣካዳምያዊ ቤት ትምህርትታት ናይ ዕዮ ክፍሊን ናይ ዕዮ ገዛን ኢልና ንፈላልዮ ጥራውዝቲ ። ኣብዚ ድማ ልክዕ ከምኡ ዓይነት ኣካይዳ ክንጥቀም ኢና ። እቲ ናይ ዕዮ ገዛ ስራሕ እምበኣር ኣንቢብካ ጥራይ እንተ ገደፍካዮ ውጽኢት ኣይክትረኽበሉን ኢኻ ። ስለ ዝኾነ ክኣ ዘንበብካዮ ክተተግበሮ ናይ ግድን እዩ ፡ ኣድላዪ እንተ ኮይኑ ድማ ኣብ ተግባር ክሕግዘካ ዝኽእል መንፈሳዊ ሰብ ብፍላይ ኣብ መንፈሳዊ ሂወት ጀማሪ እንተ ድኣ ኮንካ ዝያዳ ውጽኢት ይህልዎ ።

ኣብ መጨረሽታ ክትግንዘቦ ዘለካ ፡ ብዙሕ እዋን ኣብ ትጅምረሉ ፈተነ ክገጥመካ ንቡር እዩ እንተ ኾነ ግን ፍጹም ተስፋ ዘይሙቅራጽ ። ኣብ ትግባረ እንተ ፈሸልካ ከም ብሓድሽ ተመሊስካ ጀምር ሓንቲ መዓልቲ  ክርስቶስ ካብ ኩሉ ድኻምካን ጻዕርኻን ከዕርፈካ እዩ ምኽኒያቱ ንሱ ኣቦኻ’ዩ